እግሪ ኩዕሶ ፌደሬሽን ኢትዮጵያን ኢንግሊዝን ምስ ተፃወቲ ማሕበር ፕሮፌሽናል ብምትሕብባር እዩ ንአሰልጠንቲ ጋንታታት ላዕለዋይ ሊግ ኢትዮጵያ መማዕበሊ ሞያኦም ዝኸውን ስልጠና አብ ስታዲዮም አዲስ አበባ ትማሊ ጥሪ 18/2012 ምሀብ ዝጀመረ። እቲ ስልጠና ንተኸታተልቲ ሓሙተ መዓልቲ ዝውሀብ እንትኸውን። ስልጠና እናሀቡ ዝረከቡ ድማ ካብ ኢንግሊዝ ፌደሬሽን ዝተለኣኹ ባዓል ሞያታት እዮም።
አብ ምትሕብባር እዚ ስልጠና ዝርከቡ ልምዓት ዳይሮክትሬት ፌዴሬሽን እግሪ ኩዕሾ ኢትዮጵያ አይተ መኮነን ኩሩ ንቲ ስልጠና አመልኪቶም ዝስዕብ ርኢቶ ሂቦም አለው። እዚ ዝውሀብ ዘሎ ስልጠና ሰልጠንቲ ምስ ዘመናዊ ኩዕሶ እግሪ ዘቀራርብ ኢሉ እውን ጋንታታት ከመይ ኢለን ቀፃልነት ብዘለዎ መንገዲ ውድድረን ከምዘካይዳ ዘርኢ ብተግባርን ብክልስ ሓሳብን ዝውሀብ ስልጠና እዩ። አብዚ ስልጠና ከዓ 36 አሰልጠንቲ ክሳተፉ ትፅቢት ይግበር። ነዚ ስልጠና አብ ዝርከቡ ባዓል ሞያታት ክዓ ሚስተር ሌስ ሐው እና ሚስተር ፒተር አጉስቲ እንትኾኑ (International and Regional coaching instructors) እዮም።
አስተያየት ይስጡ