መበል 10ይ ሰሙን ጸወታታት ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ቀዳምን ሰንበትን ብዝተኻየዱ 8 ጸወታታት ቀጺሉ ውዒሉ።ንዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ ብዘይምቁራጽ እናተኻየደ ዝርከብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ 2012 ኣብ መበል 10ይ ሰሙን ዘርእየና ዓበይቲ ፍጻመታት ከምዚ ዝስዕብ ኣዳሊናዮም ኣለና።
ምቕናስ ዝተመዝገቡ ሽቶታት
ኣብ 10ይ ሰሙን ጸወታታት ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ 13 ሽቶታት ተመዝጊቦም።እዚ ማለት ክሳብ ሐዚ ካብ ዝተኻየዱ ናይ ጸወታ ሰሙናት ዝወሓደ ሽቶ ተመዝጊብዎ ምስ ዝነበረ 1ይ ሰሙን ክመዓራረ ክኢሉ እዩ።ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 26 ሽቶታት ተቖጺርዎ ዝነበረ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣብ 10ይ ሰሙን ብፍርቂ ምቕናስ ምርኣዩ ናይዚ ሰሙን ክስተት እዩ።
- ማሰታውቂያ -
ውፅኢት ጋንታታት
ክልተ ግጥማት ጥራሕ ብምዓረ ውፂኢት እንትዛዘማ። ዝተረፉ ሓሙሽተ ፀወታታት ብስዕረት ፍፃምአን ረኺበን ኣለዋ። ሓሙሽተ ጋንታታት ካዓ አንፃር መጋጥምተን ሸቶ ከይቁፀራ ወፄን እየን።
ተኸታታሊ ዓወት ጋንታ ወላይታ ድቻ
አብ ሜዳኣን ቅድሚ ደገፍታን ብጋንታ ስሑል ሽረ 2-0 ስዕረት ምስገጠማ ምስ ኣሰልጣኒኣ ገብረክርስቶስ ቢራራ ይተፈላለየት ጋንታ ወላይታ ድቻ ብምክትል ኣሰልጣኒኣ ሳሙኤል ደቻሳ እንዳተመርሐት ንመሪሕ እቲ ሊግ መቐለ 70 እንደርታ ብምስዓር ካልአይ ተከታታሊ ዓወት አመዝጊባ አላ።
ናብ ዓወት ዝተመለሳ ጋንታታት አዳማን ወልቂጤን
ምስ ብዙሕት ፀገማታ ኮይና ግጥማ ናካየደት ትርከብ ጋንታ አዳማ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ንሀድያ ሆሳዕና ብምስዓር ናብ መንገዲ ዐወት እንትትምለስ። በኣንፃሩ ኣብ ውሽጢ ቅልውላው ውፅኢት ዝነበረት ጋንታ ወልቂጤ ንድሬዳዋ ዓዲማ ብሳዲቅ ሴቾ ብታዊት ሸቶ 1-0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ ናብ መንገዲ ዓወት ዝተመለሰት ካልኣይቲ ጋንታ እያ።
ስዕረት ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ
መሪሕ ሊግ መቐለ 70 እንደርታ ድሕሪ ተኸታተልቲ ዓወታት ንጋታ ወላይታ ድቻ ሂባ አላ። በዚውን ከብ ዝስዕብዋ ጋንታ ዘላዋ ናይ ነጥቢ ኣፈላይ ክፀብብ ክኢሉ አሎ።
ተኸታታሊ ዓወት ስሑል ሽረ ጠጠው ኢሉ
ኣብ መንገዲ ዓወት ተኸታተልቲ 3 ጸወታታት ዝነበረት ስሑል ሽረ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ስታድየም ትግራይ ጅማ ኣባጅፋር ኣተኣናጊዳ ማዕረ ምፍልላያ ስዒቡ፤ን4ይ ተኸታታሊ ግዘ ናይ ምስዓር ጉዕዞኣ ብጅማ ኣባጅፋር ክሰናኸል ክኢሉ እዩ።
ፋሲል ከነማን ኣብ ሜዳኣ ተካይዶም ጸወታታትን
ኣብዚ ዓመት 5 ጸወታታት ኣብ ሜድኣ ስታድየም ሃጸይ ፋሲለደስ ዝገበረት ፋሲል ከነማ፤ክትረኽቦም ካብ ዝግበኣ 15 ነጥብታት ሙሉእ ብሙሉእ ብምስኻዕ ኣብ ሜድኣ ዘይትድፈር ጋንታ ምኻና ክተመስክር ክኢላ እያ።
ጸወታ ከይተጀመረ ብቀይሕ ካርድ ዝተሰናበተ ሓላዊ ልዳት ጋንታ ባህርዳር ከተማ
ኣብ ስታድየም ኣዲስ ኣበባ ቅዲስ ጊዮርጊስ ዝገጠመት ባህርዳር ከተማ ጸወታ ቅድሚ ምጅማሩ ሓላዊ ልዳታ ሃሪሰን ሄሱ ብቀይሕ ካርድ ክትስእን ክኢላ እያ። መዘራራቢ ብዝኾኑ ተግባራቱ ዝፍለጥ እዚ ሓላዊ ልዳት ናይቲ ዕለት ዋና ዳኛ ቴዎድሮስ ምትኩ ብውሽጢ ገይርዎ ዝነበረ ማልያ ከውጽእ ንዝሃብዎ ትእዛዝ ኣይቅበልን ብምባል ብዘርአዮ ዘየድሊ ስነምግባር እቲ ጸወታ ከይተጀመረ ብቀይሕ ካርድ ክሰናበት ክኢሉ እዩ።ኣብ ቀዋሚ 11 ባህርዳር ከተማ ኣትዩ ዝነበረ እዚ ተጻዋቲ ብካልኣይ ሓላዊ ልዳት ባህርዳር ጽዮን መርእድ ክትካእ ክኢሉ እዩ።
ብተደጋጋሚ ጉድአት እናተፈታተኖ ዝርከብ ብሉፅ አጥቃዓይ ጋንታ ሀዋሳ
ካብ ጉድአቱ ተመሊሱ አንፃር ሰብታ ኣብዝነበሮም ግጥም ብቋሚ ኣሰላልፉ ናብ ሜዳ ዝወረደ ወጣት አጥቃዓይ ጋንታ ሀዋሳ ትማሊ እው ከብ እግሩ በዘጋጠሞ ማህሰይቲ ድሕሪ ምጥንቓቕ እቲ ፀዋት ብአምቡላንስ ናብ ሆስፒታል ክውሰድ ክኢሉ እዩ። ማህሰይቲ መስፍን ታፈሰ መጠኑ ብጥሉል ዘይተፈለጠ እንትኸውን ንኽንደይ ሰሙናት ካብ ሜዳ ከምዝርሕቅ ኣይተፈለጠን።
ሙጂብ ቃሲም ናብ ሾቶ መቁፀረይነት ተመሊሱ
ኣጥቃዓይ ጋንታ ፋሲል ከተማ ሙጂብ ቃሲም ጋነትኡ ኣንፃር ስሑል ሽረ ገጢማ 2-0 ኣብዝተሰዓረትሉ ግጥም ሸቶ ዘየቁፀረሉ ፀዋታ እኳ ኮይኑ እንተሓለፈ። ትማሊ ጋንትኡ ንሲዳማ ቡና አንጊዳ 1-0 ኣብ ዝተዓወተትሉ ሸቶ ዘቁፀረ ብሕታዊ ተፃዋታይ እታ ጋንታ ሙጂብ ቃሲሜ ንጋንትኡ ሰለስተ ነጥቢ ካብ ምዕታሩ ብተወሳኺ ንባዕሉ ድማ ናብ ሾቶ ምቁፃር ብምምላስ ኮከብ መቆፀራይ ሽቶ በ10 ሸቶታት ክመረሕ አኽኢልዎ