ጋንታ ወልዋሎ ንነበር ተፃወታ ይኸፈለቶ ደሞዝ ክትከፍል ውሳኔ ዓሪፍዋ።
ነበር ተፃወቲ ጋንታ ወልዋሎ ዩንቨርሲቲ ዓድግራት አብ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ዘበነ 2011 ናይ ሰነ ወርሒ ደሞዝ አይተኸፈለናን ብዝብል ናብ እግሪ ኩዕሾ ፌደሬሽን ኢትዮጰያ ዘቅረብዎ ጥርዓን መልሲ ረኺቡ አሎ። በዚ ድማ ጋንታ ወልዋሎ ዩንቨርሲቲ ዓድግራት ንነበር ተፃወታ ደሞዞም ክትከፍል ከምዝግባእን አብ ውሽጢ 7 መዓልቲ እንድሕር ክፍሊት ዘየጠናቒቓ ካብ ፌደሬሽን እግሪ ኩዕሾ ኢትዮጵያ ምንም ዓይነት ግልጋሎት ከምዘይትረክብ ተወሲንዋ አሎ። ጥርዓን ዘቅረቡ ነበር ተፃወቲ እታ ጋንታ ድማ ደስታ ደሙ፣ኤፍሬም አሻሞ፣ብርሀኑ ቦጋለ(ፋዲጋ)፣ ብርሀኑ አሳሞ፤ ሳምሶን ተካ፣ቢንያም ሲራጅ፣ዳንኤል አድሓኖም፣ አማኑኤል ጎበና ምኳኖም ተፈሊጡ አሎ።
ፌደሬሽን ዝለአኾ ደብዳቤ ዝስዕብ ይመስል👇👇👇👇

አስተያየት ይስጡ