መነሻ ገጽ ሀትሪክ ትግርኛ ሀትሪክ ትግርኛ | መበል 17 ሰሙን ዓበይቲ ፍፃመታት ኘሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ
ሀትሪክ ትግርኛዜናዎችየኢትዮጵያ ፕሪሚየር ሊግ

ሀትሪክ ትግርኛ | መበል 17 ሰሙን ዓበይቲ ፍፃመታት ኘሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ

አጋራ
አጋራ

👉👉በዝሒ ዝተቖጸሩ ሽቶታት

👉👉ተኸታታሊ ስዕረት ቅዱስ ጊዮርጊስ

👉👉ፈላማይ ካብ ሜዳኻ ወጻኢ ዓወት ኣዳማ ከተማ

👉👉ኣብ 9 ተኸታተልቲ ጸወታታት ሽቶ ዘየመዝገበ ኣማኑኤል ገብረሚካኤል

👉👉ብናይ ባዕሉ ደገፍቲ ጥቕዓት ዝበጽሖ ሳላዲን ሰይድ

👉👉ብዙሕ ናይ ማዕረ ውጽኢታት ዝተኣናገደሉ ሰሙን

መበል 17 ሰሙን ጸወታታት ፕሪምየር ሊግ ዕለተ ሓሙስን ዓርብን ብዝተሳለጡ 8 ጸወታታት ቐጺሎም ውዒሎም።ኣብዚ ሰሙን ዝተፈጸሙ ዓበይቲ ፍጻመታት ብኸምዚ ዝስዕብ ዳሊናዮም ኣለና።

🔑 በዝሒ ዝተቖጸሩ ሽቶታት

ኣብዚ ሰሙን 10 ሽቶታት ተቖጺሮም እዚ ማለት ብማእኸላይ ኣብ ሓደ ጸወታ 1.25 ሽቶ ተመዝጊቦም።ኣብ መበል 16 ሰሙን ካብ ዝተቖጸሩ ሽቶታት ብ17 ጎላት ምቕናስ ዘርአየ ናይዚ ሰሙን ጸወታታት ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ካብ ዝተኻየዱ ሰሙና ዝተሓተ ቑጽሪ ሽቶ ዝተመዝገበሉ ኮይኑ ሓሊፋ እዩ።

🔑 ተኸታታሊ ስዕረት ቅዱስ ጊዮርጊስ

ቀዳማይ ዙር ጸወታታት ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጲያ ብመሪሕነት ዛዚማ ዝነበረት ቅዱስ ጊዮርጊስ ካልኣይ ዙር ካብ ዝጅመር ኣብ ዘካየደተን 2 ጸወታታት ስዕረት ኣተኣናጊዳ መሪሕነታ ንፋሲል ከነማ ክተረክብ ተገዲዳ እያ።

🔑 ፈላማይ ካብ ሜዳኻ ወጻኢ ዓወት ኣዳማ ከተማ

ካብ ሜድኣ ወጻኢ 8 ጸወታታት ኣካይዳ ኣብ 5 ስዐረት ኣብ 3 ድማ ማዕረ ውጽኢታት ኣመዝጊባ ዝነበረት ኣዳማ ከተማ ኣብዚ ሰሙን ካብ ሜድኣ ወጻኢ ንወልቂጤ ከተማ ገጢማ ዓወት ክተመዝግብ ክኢላ እያ።

🔑 ኣብ 9 ተኸታተልቲ ጸወታታት ሽቶ ዘየመዝገበ ኣማኑኤል ገብረሚካኤል

ኣብ ፈለምቲ 8 ጸወታታት መቐለ 70 እንደርታ 6 ሽቶታት ብምቑጻር ወሳኒ ተጻዋቲ እታ ጋንታ ምኻኑ እናመስከረ ዝጸንሐ ኣማኑኤል፤ኣብ መበል 8ይ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ወልቂጤ ከተማ ሽቶ ምስ ኣቑጸረ ኣብ ዝሓለፋ 9 ጸወታታት ሽቶ ከመዝግብ ኣይከኣለን።ብዙሓት ሽቶ ክኾኑ ዝኽእሉ ዕድላት እናባኸነ ዝርከብ እዚ ተጻዋቲ ኩዕሶን መርበብን ምርኻብ ዘይምኽኣሉ ጋንትኡ መቐለ 70 እንደርታ ናብ ጽዋዕ ኣብ ትገብሮ ጉዕዞ ዕንቅፋት ክኾና ከምዝኽእል ይግመት።

🔑 ብናይ ባዕሉ ደገፍቲ ጥቕዓት ዝበጽሖ ሳላዲን ሰይድ

ቅዱስ ጊዮርጊስ ምስ ሰበታ ከተማ ኣብ ዝነበራ ጸወታ ምስ ዳይና እቲ ዕለት ሃይለየሱስ ባዘዘው ብዝኣተዎ ዘይምስምዕማዕ ብክልተ ቢጫ ካብ ሜዳ ዝተሰናበተ ሳላዲን ሰይድ ካብቲ ሜዳ ኣብ ዝወጸሉ ሰዓት ንማልያ ጋንታና ቀዲድኻ ኢኻ ብዝብል ጸወታ ተዛዚሙ እቲ ተጻዋቲ ናብ ኣውቶቡስ ጋንትኡ ኣብ ዝኣትወሉ ሰዓት ብክልተ ደገፍቲ ቅዱስ ጊዮርጊስ ጥቕዓት በጺሕዎ እዩ።

🔑 ብዙሕ ናይ ማዕረ ውጽኢታት ዘተኣናገደ ሰሙን

ኣብዚ ሰሙን ብጠቕላላ 5 ናይ ማዕረ ውጽኢታት ተመዝጊቦም።እዚ ማለት 17 ሰሙናት ኣብ ዘሕለፈ ውድድር ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ 2012 ብዙሕ ናይ ማዕረ ውጽኢት ዘሕለፈ ሰሙን ክኸውን ክኢሉ እዩ።

 

አጋራ

አስተያየት ይስጡ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

ተዛማጅ ጽሑፎች
ዜናዎችየኢትዮጵያ ፕሪሚየር ሊግየጨዋታ ዘገባ

ሀምራዊ ለባሾቹ እና የጣና ሞገዶቹ ጣፋጭ ሦስት ነጥብን ወደ ቋታቸው ከተዋል

በሊጉ የሳምንቱ የሁለተኛ ቀን ጨዋታ ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ እና ባህርዳር ከተማ ወሳኝ...

ዜናዎችየኢትዮጵያ ፕሪሚየር ሊግየጨዋታ ዘገባ

ሲዳማ ቡና ሲሸነፍ በተጠባቂው ጨዋታ መቻል በጎል ፌሽታ ነገሌን ረቷል

በሳምንቱ የመጀመሪያ ቀን ጨዋታ የሊጉ መሪ ሲዳማ ቡና በሀድያ ሆሳዕና ሽንፈት ሲያስተናግድ...

ዜናዎችየኢትዮጵያ እግር ኳስ ፌዴሬሽንየኢትዮጵያ ፕሪሚየር ሊግ

ውጤት ለውጧል የተባለው ዳኛ ተባረረ

በዮሴፍ ከፈለኝ በኢትዮጵያ ፕሪሚየር ሊግ ውጤት ለውጠዋል የተባሉ አርቢትሮችን ወደመጡበት መመለሱን አሁንም ቀጥሏል። ከቀናት...

መቐለ 70 እንደርታዜናዎችየኢትዮጵያ ፕሪሚየር ሊግ

ዘርአይ ሙሉ በቴክኒክ አማካሪነት ወደ ፕሪምየር ሊጉ ተመልሷል

አሰልጣኙን ያሰናበተው መቐለ 70 እንደርታ ሌላ ሹመትን ፈፅሟል። በያዝነዉ የዉድድር አመት ደካማ...