መነሻ ገጽ ሀትሪክ ትግርኛ ሀትሪክ ትግርኛ | ዓበይቲ ፍፃመታት 11 ሰሙን ግጥም ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ
ሀትሪክ ትግርኛስሁል ሽረወላይታ ድቻዜናዎችየኢትዮጵያ ፕሪሚየር ሊግ

ሀትሪክ ትግርኛ | ዓበይቲ ፍፃመታት 11 ሰሙን ግጥም ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ

አጋራ
አጋራ

👉 ተኸታታሊ ዓወት ወልቂጤ ከተማን ኣብ ጽቡቕ ወቕታዊ ብቕዓት ዝርከብ ሳዲቕ ሴቾ

👉 ጠንካራ ምክልኻል መስመር ቅዱስ ጊዮርጊስ

👉 ፋሲል ከነማን ካብ ሜድኣ ወጻኢ ተካይዶም ጸወታታትን

👉ቀይሕ ካርድ ኦኪኪ ኦፎላቢ

👉መንገዲ ዓወት ዝጠፈኣ ወልዋሎ

👉ኣብ መወዳእታ ደቓይቕ ዝተቖጸሩ ሽቶታት

መበል 11 ሰሙን ጸወታታት ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ዕለተ ረቡዕን ሓሙስን ብዝተኻየዱ 8 ጸወታታት እንትቕጽሉ ኣብ ደረጃ ሰንጠረዥ ብዙሕ ለውጥታት ዘምጽኡ ዉጽኢታት ክምዝገቡ ክኢሎም እዮም።ኣብዚ ሰሙን ሰሙን ዝተዓዘብናዮም ዓበይቲ ፍጸመታት ብከምዚ ዝስዕብ ኣዳሊናዮም ኣለና።

ተኸታታሊ ዓወት ወልቂጤ ከተማን ኣብ ጽቡቕ ወቕታዊ ብቕዓት ዝርከብ ሳዲቕ ሴቾ

ኣብ መበል 9ይ ሰሙን መወዳእታ ደረጃ ሰንጠረዥ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ሒዛ ዝነበረት ወልቂጤ ከተማ ኣብ 10ይን 11ን ሰሙን ብዘመዝገበተን ዓወታት ተሓጊዛ ደረጃኣ ናብ 10ይ ሓፍ ክተብል ክኢላ እያ።

ናይ መስመር ኣጥቃዓይ ሳዲቕ ሴቾ ወልቂጤ ከተማ ኣብ ተኸታተልቲ ክልተ ጸወታታት ኣብ ልዕሊ ድሬዳዋ ከተማን ሃድያ ሆሳእናን ዓወት እንትተመዝግብ ወሰንቲ ዝኾና ሽቶታት ብምቑጻር ወሳኒ ተጻዋቲ እታ ጋንታ ምኻኑ እናመስከረ ይርከብ።

ጠንካራ ምክልኻል መስመር ቅዱስ ጊዮርጊስ

ኣብ ክልተ ተኸታተልቲ ጸወታታት ዓወት ብምምዝጋብ ምስ መራሒት ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ መቐለ 70 እንደርታ ዘለዋ ናይ ነጥቢ ኣፈላላይ ናብ 2 ዘጽበበት ቅዱስ ጊዮርጊስ ክሳብ ሐዚ ካብ ዘካየደቶም 11 ጸወታታት ኣብ ሸውዓቲኦም ሽቶ ከይተመዝገባ ክተወጽእ ክኢላ እያ።

ብሰርቢያዊ ሰርዳን ዝቪጅኖቨ ትምራሕ ቅዱስ ጊዮርጊስ መበል11 ሰሙን ኣብ ዝበጽሐ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ዓመተ 2012ን ሽዱሽተ ሽቶታት ብምትእንጋድ ዝወሓደ ሽቶ ዝተቖጸራ ጋንታ እያ።

ፋሲል ከነማን ካብ ሜድኣ ወጻኢ ተካይዶም ጸወታታትን

ጽዋዕ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ 2012 ከልዕላ ዓብዪ ግምት ካብ ዝወሃበን ጋንታታት ሓንቲ ዝኾነት ፋሲል ከነማ ኣብዚ ሰሙን እውን ካብ ሜድኣ ወጻኢ ዓወት ክተመዝግብ ኣይከኣለትን።6 ጸወታታት ካብ ሜድኣ ወጻኢ ዘካየደት ፋሲል ከነማ ኣብ ሜድኣ ዘለዋ ጥንካረ ካብ ሜድኣ ወጻኢ እንተዘይተግቢራቶ ጽዋዕ ንምውሳድ ኣብ ትገብሮ ጉዕዞ ዓብዪ ፈተና ክኾና እዩ።

ቀይሕ ካርድ ኦኪኪ ኦፎላቢ

ኣብ መበል 81 ደቒቓ ብዘቑጸራ ሽቶ ጋንትኡ መቐለ 70 እንደርታ ወሰንቲ 3 ነጥብታት ካብ ስሑል ሽረ ክትወስድ ዝሓገዛ ኦኪኪ ኦፎላቢ ድሕሪ እታ ሽቶ ሓጎሱ ንምግላጽ ማልይኡ ብምውጽኡ ብኽልተ ቢጫ ካብ ሜዳ ክሰናበት ክኢሉ እዩ።ቅድሚ እታ ሽቶ ምቑጻራ ፍጹም ቅላዕ ንምርካብ ኣምሲልኻ ወዲቕካ ብዝብል ብዋና ዳይና እቲ ጸወታ ባህሩ ተካ ቢጫ ካርድ ተዋሂብዎ ዝነበረ ኦኪኪ እቲ ዝተወሃቦ ናይ መጠንቀቕታ ካርድ ረሲዑ ማልይኡ ብምውጽኡ ታሕጓሱ ከየጣዓመ ብቀይሕ ክሰናበት ተገዲዱ እዩ።

መንገዲ ዓወት ዝጠፈኣ ወልዋሎ

ሰለስተ ተኸታተልቲ ጸወታታት ብምዕዋት ጽቡቕ ኣጀማምራ እናርአየት ዝነበረት ወልዋሎ ካብ ሰሙን ናብ ሰሙን ውጽኢት እናረሓቓ ደረጃኣ እናሽቆልቀለ ይርከብ።ኣብ መበል 7ይ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ድሬዳዋ ከተማ ዓወት ካብ ተመዝግብ ንደሓር ካብ ዘካየደቶም ኣርባዕተ ጸወታታት ሓንቲ ነጥቢ ጥራሕ ምምዝጋባ ስዒቡ ደረጅኣ ናብ 8ይ ክወርድ ክኢሉ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ደቓይቕ ዝተቖጸሩ ሽቶታት

ባህርዳር ከተማን ሃዋሳ ከተማን ኣብ መወዳእታ ደቓይቕ ብዝረኸበአን ሽቶታት ተሓጊዘን ካብ መጋጥምተን ምቁር 3 ነጥቢ ክወስዳ ክኢለን እየን።

ኣብ ስታድየም ባህርዳር ኣዳማ ከተማ ዝገጠመት ብፋሲል ተካልኝ ትምራሕ ባህርዳር ከተማ ኣብ መበል 96 ደቒቓ ብመንገዲ ፍቃዱ ወርቁ ኣቢላ ብዝረኸበታ ሽቶ ዓወት ክተመዝግብ ክኢላ እያ።ብተመሳሳሊ ሃዋሳ ከተማ ኣብ ተወሳኺ ደቓይቕ ኣለልኝ ኣዘነ ብዘቑጸራ ሽቶ ተሓጊዛ ኣብ ልዕሊ ወላይታ ድቻ ዓወት ክተመዝግብ ክኢላ እያ።

አጋራ

አስተያየት ይስጡ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

ተዛማጅ ጽሑፎች
ዜናዎችየኢትዮጵያ ፕሪሚየር ሊግየጨዋታ ዘገባ

የሊጉ መሪ ሲዳማ ቡና በዝናባማው ጨዋታ በመቻል ሲረታ የጣናው ሞገድም አሸንፏል

እጅግ በከባድ ዝናብ ታጅቦ በተደረገው ጨዋታ መቻል የሊጉን መሪ ሲዳማ ቡናን 3ለ1...

ዜናዎችየኢትዮጵያ ፕሪሚየር ሊግየጨዋታ ዘገባ

ሀድያ ሆሳዕና ፣ ፋሲል ከነማ እና ወላይታ ድቻ ወሳኝ ድል አግኝተዋል

በሊጉ የሳምንቱ የሁለተኛ ቀን መርሀግብር ሀዋሳ ከተማ ወደ ሊጉ መሪ የሚጠጋበትን ዕድል...

ዜናዎችየኢትዮጵያ ፕሪሚየር ሊግየጨዋታ ዘገባ

ፈረሰኞቹ በድል ሲቀጥሉ ንግድ ባንክ እና ድሬዳዋም አሸንፈዋል

ቅዱስ ጊዮርጊስ ተከታታይ ድሉን ወደ ቋቱ ሲከት ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ከጨዋታ ብልጫ...

ዋልያዎቹዜናዎችየኢትዮጵያ ብሔራዊ ቡድን

አንጋፋው አሰልጣኝ በስማቸው የእግር ኳስ ማሰልጠኛ አካዳሚ ሊገነባላቸው ነው

የኢትዮጵያ ብሔራዊ ቡድን የቀድሞ አሰልጣኝ ኢንስትራክተር ሰውነት ቢሻውን ለማመስገን እና ዕውቅና ለመስጠት...