ሀትሪክ ትግርኛ | ዓበይቲ ፍጻመታት ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጲያ 13 ሰሙን

👉ኣብ ሜድኣ ብዙሕ ሽቶታት ተመዝግብን ዝምዝገባን ባህርዳር ከተማ

👉ናይ መጀመርያ ካብ ሜዳኻ ወጻኢ ዓወት ቅዱስ ጊዮርጊስን ፋሲል ከነማን

👉ጉዳይ ኣሰልጣኒ ዮውሃንስ ሳህለን ወልዋሎን

👉ድኹም ምክልኻል መስመር ሲዳማ ቡና ባህርዳር ከተማን

👉ዓወት ዝረሓቐን ኢትዮጵያ ቡናን ወልዋሎን

👉ናይ ሽቶታት ማሽን ሙጂብ ቃሲም

 

መበል 13 ሰሙን ጸወታታት ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓዝናዮ ሰሙን ብዝተኻየዱ 8 ጸወታታት ቐጺሉ ውዒሉ።ሀትሪክ ስፖርት ናይዚ ሰሙን ዋና ዋና ነጥብታት ዝበልናዮም ብኸምዚ ዝስዕብ ኣዳሊናዮም ኣለና።

ኣብ ሜድኣ ብዙሕ ሽቶታት ተመዝግብን ዝምዝገባን ባህርዳር ከተማ

መበል 13 ሰሙኑ ኣብ ዝበጽሐ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጲያ 2012 ኣብ ሜዳኣ ስታድየም ባህርዳር 6 ጸወታታት ዘካየደት ባህርዳር ከተማ 18 ሽቶታት ኣመዝጊባ 10 ሽቶታት ድማ ክምዝገባ ክኢሉ እዩ።ኣብዚ ሰሙን ሰበታ ከተማ ዝገጠመት ባህርዳር 3 ሽቶታት ኣቑጺራ ክልተ ሽቶታት ተቖጺርዋ ዓወት ኣመዝጊባ።

ናይ መጀመርያ ካብ ሜዳኻ ወጻኢ ዓወት ቅዱስ ጊዮርጊስን ፋሲል ከነማን

ደረጃ ሰንጠረዥ ፕሪምየር ሊግ ቀዳማይን ካልኣይን ኮይነን እናመርሓ ዝርከባ ቅዱስ ጊዮርጊስን ፋሲል ከነማን ኣብ መበል 13 ሰሙን ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ናብ ከተማ መቐለ ኣምሪሐን ሙሉእ 3 ነጥቢ ረኺበን ክምለሳ ክኢለን እየን።ናይዚ ሰሙን ዓብዪ ጸወታ ኣብ ዝተብሃለ ንመቐለ 70 እንደርታ ኣብ ስታድየም ትግራይ ዝገጠመት ፋሲል ከነማ ብክልተ ሽቶታት ሙጂብ ቃሲም ተሓጊዛ ናይዚ ዓመት ፈላማይ ካብ ሜድኣ ወጻኢ ዓወት ኣመዝጊባ።ብተመሳሳሊ ኣብ ጽቡቕ ምንቕቓሕ ትርከብ ቅዱስ ጊዮርጊስ ምስ ወልዋሎ ኣብ ዝነበራ ጸወታ ዓወት ምምዝጋባ ስዒቡ ዓብዪ ጸገም ኮይንዋ ዝነበረ ካብ ሜዳኻ ወጻኢ ዓወት ክትቐርፍ ክኢላ እያ።

ጉዳይ ኣሰልጣኒ ዮውሃንስ ሳህለን ወልዋሎን

ጋንትኦም ወልዋሎ ኣብ ተኸታተልቲ 6 ጸወታታት ዓወት ዘይምምዝጋባ ስዒቡ ኣብ ኸቢድ ጸቕጢ ዝነበሩ ዮውሃንስ ሳህለ ድሕሪ ብቅዱስ ጊዮርጊስ ዝበጸሖም ስዕረት ንዝሓለፋ 4 መዓልትታት ድምጾም ኣጥፊኦም ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ቦርድ ወልዋሎ ናይ ስራሕ መልቀቒ ደብዳበ ኣእትዮም፣ ሕቶኦም ብቦርድ ወልዋሎ ተቐባልነት ምስ ረኸበ ብዕሊ ምስታ ጋንታ ክፈላለዩ ኽኢሎም እዮም።

ድኹም ምክልኻል መስመር ሲዳማ ቡና ባህርዳር ከተማን

ሽቶታት ንምቑጻር ዘይጽገማ ክልቲኤን ጋንታታት ኣብዚ ሰሙን እውን ብተመሳሳሊ ክልቲኤን 3 ሽቶታት እንተቑጸራ ብኣንጻሩ 2 ሽቶታት ድማ ከተኣናግዳ ክኢለን እየን።ባህርዳር ከተማ ክሳብ ሐዚ 21 ሽቶታት ኣቑጺራ 22 ሽቶታት እንትተኣናግድ ሲዳማ ቡና ብወገና 26 ሽቶታት ኣመዝጊባ 23 ሽቶታት ክምዝገባ ክኢሉ እዩ።

ዓወት ዝረሓቐን ኢትዮጵያ ቡናን ወልዋሎን

ጋንታትት ኢትዮጵያ ቡናን ወልዋሎን መንገዲ ዓወት ጠፊእወን ብዘይ ሙሉእ 3 ነጥቢ ብዙሕ ሰሙናት እናሕለፋ ይርከባ።ምስ ዋና ኣሰልጣኒኣ ዮውሃንስ ሳህለ ዝተፈላለየት ወልዋሎ ኣብ መበል 6ይ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ድሬድዋ ካብ ዘመዝገበቶ ዓወት ንደሓር ከይሰዓረት 7 ሰሙናት ክተሐልፍ ተገዲዳ እያ።ብተመሳሳሊ ብካሳዬ ኣራጌ እንዳተመረሐት ካብ ካልኦት ጋንታታት ብዝተፈለየ መንገዲ ናይ ባዕላ ትብሎ ኣጸዋውታ እናተግበረት ትርከብ ኢትዮጵያ ቡና ኣብ መበል 9ይ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ሲዳማ ቡና ካብ ዘመዝገበቶ ዓወት ንደሓር ሙሉእ 3 ነጥቢ ክትረክብ ኣይከኣለትን።

ናይ ሽቶታት ማሽን ሙጂብ ቃሲም

ደረጃ ኮኾብ ሽቶ መቑጸሪ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣብ ምምራሕ ዝርከብ ሙጂብ ቃሲም ኣብዚ ሰሙን እውን 2 ሽቶታት ኣብ ልዕሊ መቐለ 70 እንደርታ ብምቑጻር ብሉጽ ኣጥቃዓይ ምኻኑ እናመስከረ ይርከብ።

Hatricksport website writer

Twitter