መነሻ ገጽ ሀትሪክ ትግርኛ ሀትሪክ ትግርኛ | መበል 12 ሰሙን ዓበይቲ ፍፃመታት ኘሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ
ሀትሪክ ትግርኛዜናታት ስፖርትዜናዎችየኢትዮጵያ ፕሪሚየር ሊግ

ሀትሪክ ትግርኛ | መበል 12 ሰሙን ዓበይቲ ፍፃመታት ኘሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ

አጋራ
አጋራ

👉ዝበዝሑ ሽቶታት ዝተታኣናገደሉ ሰሙን

👉ውጽኢታዊ ጥምረት ምጥቃዕ ቅዱስ ጊዮርጊስ

👉3 ተኸታተልቲ ዓወት ወልቂጤ ከተማ

👉ምንቕቓሕ ወላይታ ድቻ

👉ዝቐልጠፈት ሽቶ እዚ ዓመት

መበል 12 ሰሙን ጸወታታት ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጲያ ዕለተ ሰንበትን ሰኑይን ብዝተኻየዱ 8 ጸወታታ ቐጺሉ ውዒሉ።ሀትሪክ ስፖርት ኣብዚ ሰሙን ዝተዓዘበቶም ዋና ዋና ክዋነታት ከምዚ ዝስዕብ ኣዳሊናዮም ኣለና።

ዝበዝሑ ሽቶታት ዝተታኣናገደሉ ሰሙን

መበል 12 ሰሙን ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ 24 ሽቶታት ኣተኣናጊዱ።ብማእኸላይ ኣብ ሓደ ጸወታ 3 ጎል ክምዝገብ ክኢሉ እዩ።ግጥም ሲዳማ ቡናን ቅዱስ ጊዮርጊስን 8 ሽቶታት ብምእንጋድ ዝበዝሐ ሽቶ ዝተቖጸረሉ ጸወታ እዚ ሰሙን እንትኸውን ግጥማት ፋሲል ከነማ ምስ ወልዋሎ፣ጅማ ኣባጅፋር ምስ መቐለ 70 እንደርታ ድማ ውሑድ ሽቶታት ዝተመዝግቡሎም ጸወታታት እዮም።

ውጽኢታዊ ጥምረት ምጥቃዕ ቅዱስ ጊዮርጊስ

ኣብ ስታድየም ኣዲስ ኣበባ ሲዳማ ቡና ዝገጠመት ቅዱስ ጊዮርጊስ ብሓገዝ ናይ ቅድሚት ኣጥቃዕታ ጌታነህ ከበደ፣ኣቤል ያለውን፣ጋዲሳ መብራህቴን ፍርቂ ደርዘን ሽቶታት ብምምዝጋብ ወሳኒ 3 ነጥቢ ረኺባ።ካብ ግዘ ናብ ግዘ ኣብ ሞንጎኦም ብዝርእ ዘሎ ምንባብ ንተኸላኸልቲ ተጻራሪ ጋንታ መጸገሚ እናኾነ ዝርከብ ጥምረት ጌታነህ ከበደ፣ኣቤል ያለውን ጋዲሳ መብራህቴን ቅዱስ ጊዮርጊስ ካብ ኣትያቶ ዝነበረት ናይ ውጽኢት ምስኣን ተናጊፋ መሪሕ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጲያ ክትኸውን ኣኽኢልዋ እዩ።

3 ተኸታተልቲ ዓወት ወልቂጤ ከተማ

ክሳብ መበል 9ይ ሰሙን 8 ነጥብታት ጥራሕ ምእካብ ክኢላ ዝነበረት ብደግኣረግ ይግዛው ትምራሕ ወልቂጤ ከተማ ኣብ ዝሓለፋ 3 ጸወታት ብዘመዝገበቶም ተኸታተልቲ ዓወታት ካብ ሓደጋ ምውራድ ወጽያ ኣብ ሻድሻይ ደረጃ ክትቕመጥ ክኢላ እያ።ብመናእሰይን ልምዲ ዘለዎም ተጻወቲን ዝተጣየሸት እዛ ጋንታ ኣብ ዝመጽእ መስኮት ዝውውር መፋርቕ ዓመት ብሰፊሑ ናይ ምስታፍ ድሌት ከምዘለዋ ነታ ጋንታ ቐረባ ካብ ዝኾኑ ኣካላት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ምንቕቓሕ ወላይታ ድቻ

ኣብ ሜድኣ ብስሑል ሽረ ድሕሪ ዝበጽሓ ስዕረት ምስ ኣሰልጣኒኣ ገብረክርስቶስ ቢራራ ዝተፈላለየት ወላይታ ድቻ ድሕሪኡ ኣብ ዘካየደተን ኣርባዕተ ጸወታታት ኣብ ሰለስቲአን ዓወት ኣመዝጊባ ኣብ ሓደ ተሳዒራ 9 ነጥብታት ክትእክብ ክኢላ እያ።ብግዚያዉ ኣሰልጣኒ ደለለኝ ደቻሳ ትምራሕ ወላይታ ድቻ ኣብዚ ሰሙን ንድሬዳዋ ከነማ ኣብ ዝሰዓረትሉ ጸወታ ዝነበራ ብቕዓት ዝድነቕ ነይሩ።

ዝቐልጠፈት ሽቶ እዚ ዓመት

12 ሰሙኑ ኣብ ዘቑጸረ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጺያ 2012 ናይዚ ዓመት ዝቐልጠፈት ሽቶ ኣብ ጸወታ ወላይታ ድቻን ድሬዳዋ ከተማን ብመንገዲ እዮብ ኣለማየሁ ተቖጺራ።

አጋራ

አስተያየት ይስጡ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

ተዛማጅ ጽሑፎች
ዜናዎችየኢትዮጵያ ፕሪሚየር ሊግየዲሲፕሊን ውሳኔዎችዲሲፕሊን ውሳኔ

የ32ኛ ሳምንት የዲሲፕሊን ውሳኔዎች

የዲሲፕሊን ውሳኔዎች አህመድ ረሺድ (ድሬደዋ ከተማ) : በኢትዮጵያ ዋንጫ ውድድር 1 እንዲሁም...

ዜናዎችየኢትዮጵያ ፕሪሚየር ሊግየጨዋታ ዘገባ

ሀምራዊ ለባሾቹ እና የጣና ሞገዶቹ ጣፋጭ ሦስት ነጥብን ወደ ቋታቸው ከተዋል

በሊጉ የሳምንቱ የሁለተኛ ቀን ጨዋታ ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ እና ባህርዳር ከተማ ወሳኝ...

ዜናዎችየኢትዮጵያ ፕሪሚየር ሊግየጨዋታ ዘገባ

ሲዳማ ቡና ሲሸነፍ በተጠባቂው ጨዋታ መቻል በጎል ፌሽታ ነገሌን ረቷል

በሳምንቱ የመጀመሪያ ቀን ጨዋታ የሊጉ መሪ ሲዳማ ቡና በሀድያ ሆሳዕና ሽንፈት ሲያስተናግድ...

ዜናዎችየኢትዮጵያ እግር ኳስ ፌዴሬሽንየኢትዮጵያ ፕሪሚየር ሊግ

ውጤት ለውጧል የተባለው ዳኛ ተባረረ

በዮሴፍ ከፈለኝ በኢትዮጵያ ፕሪሚየር ሊግ ውጤት ለውጠዋል የተባሉ አርቢትሮችን ወደመጡበት መመለሱን አሁንም ቀጥሏል። ከቀናት...